Fana: At a Speed of Life!

መሰልን ድሕንነትን ህፃናት ንምሕላው ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰልን ድሕንነትን ህፃናት ንምሕላው ኣብዚ በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ፣ ህንፀት ዓቕሚን ስራሕቲ ግንዛበን ብምስራሕ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

ሴክተር ጉባኤ 9 ኣዋርሕ አቲ ሚኒስቴር፣ ክልልታን ምምሕዳር ከተማታትን፥ “ብዕዙዝ ትግሃትን ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ተረባሕነት፣ ተሳትፎን ድሕንነትን ዜጋታት ክነረጋግፅ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ÷ ነቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብዝውሃቦ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ጉድኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ንምርግጋፅ ብትኹረት ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።

መሰልን ድሕንነትን ህጻናት ንምሕላው ድማ ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕን ህንፀት ዓቕሚን ከምኡ እውን ስራሕቲ ግንዛበ ብምስራሕ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ፃዕሪ ከምዝተገበ ኢየን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ዝሓበራ።

ምዕሳል ማዕርነት ፆታ፣ ጉዱኣት ኣካል ብኩሉ ኢኮኖሚያዊ ዓውዲ ተረባሕቲ ምግባር፣ ኣረጋውያን ሓገዝን ክንክንን ንኽግበረሎም ምግባርን ክሰርሑ ንዝኽእሉ ምዕሩይ ሃዋህው ምምዕርራይ፣ ንድሕንነት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ማሕበራዊ ፀገሞም ንኽላቐቑ ንምግባር እውን ብኩሉ ዓውዲ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሀን።

ብቢቂላ ቱፋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.