Fana: At a Speed of Life!

መሰልን ረብሓን ሰራሕተኛታት ናይ ምኽባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ኢንዱስትሪ ምርግጋፅ፣ መፍረያይነት ምዕባይ፣ ድሕንነት ኣብ ስራሕን ረብሓ ሰራሕተኛታት ናይ ምኽባር ስራሕን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሸቃሎ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 49 ግዘ ብብርኪ ዓለም ድማ ንመበር 135 ግዘ “ንሰላምን ምኽባር ናብራን መፍትሒ ንጠልብ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፤ መሰላትን ረብሓታት ሰራሕተኛታት ምኽባር ከምኡ እውን ድሕንነቶም ናይ ምሕላው ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

ተረባሕነት ሰራሕተኛታት ንምርግጋፅ፣ ዝለዓሉ ሕቶታት ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪትካ ብከይዲ ምላሽ ንመሃብ እውን ኣሰራርሓታት ተዘርጊሖም ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝኾኑ ሓቢረን።

ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ ካሳሁን ፎሎ ብግደኦም÷ መሰልን ረብሓን ሰራሕተኛ ንምኽባር ምስ መንግስቲ ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.