Fana: At a Speed of Life!

መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ስራሕቲ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ስራሕቲ ኣብ ቀፃሊ ዝሰርሖም ተግባራትን ዕላዊ ገይሩ።

ምክትል ኣካቢት እቲ ቦርድ ነጃት ግርማ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ እቲ ኣዋጁ ካብ ዝተኣወጀሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ቦርድ ክሳብ ዝተጣየሸሉ ብዝነበረ ኩነታት ኣፈፃፅማ ልዝብ ከምዝተገበረ ኣልዒለን፡፡

ኣብ ማእኸል ላዕለዋይ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ናብ መደቀሲኦም ብምእታው ምልከታ ከምዝተገበረ ሓቢረን፡፡

ምስተጠርጠርቲ እውን ክመሓየሸሎም ዝደልዩዎም ጉዳያትን ከም ፀገም ኣብ ዘልዐሉዎም ነጥቢታት ብዕምቆት ምኽክር ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ተጠርጠርቲ ዘልዐሉዎም ጉዳያ ብመሓዝ ምስ ናይ ማእኸል ኣመራርሓታት ዘተ ብምግባር ክመሓየሹ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት ምይይጥ ከምዝተገበረ ተዛሪበን፡፡

“ኣብቲ እዋን ብዝተገበረ ምልከታ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተጠርጠርቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ምዃኑ ርኢና ኢና” ኢለን እተን ምክትል ኣካቢት፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ትምሀርቲ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ንምርግጋፅ ድማ ምስ ኣመራርሓታት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ከምዝተገበረ ኣልዒለን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ይኹን ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ምክልኻል ገበንን ካብ መምርሂ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ወፃእ እናተግበሩ ከምዝኾኑ ገለፃ ከምዝተገበረሎም ምብረሀን ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝፈልሱ መለለዪ መንነት (መታወቂያ) ዘይብሎም ምፅራይ ንምግባር፣ ጎደና ሓደር ቆልዑት መፈፀምቲ ተግባር ገበን ስለዝግበሩ፣ ኣብ ስሩዕ ስራሕ ምክልኻል ገበን ከምዝገብሩዎ ኣብ ሓደ ቦታ ኣፅኒሖም ነናብ ከባቢኦም ዝምለሱ እናመለሱ ንኻልኦት ድማ በቲ ምምሕዳር ከተማ ናብ ዝተሰናደአ ማእኸል ከምዘእትዉ ምግላፆም ፀሪሐን፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ሓደ ሓደ ኣቢያተ ትምህርቲ ንግዚያዊ መፅንሒ ተጠቒሞም ከምዝነበረ፤ ሕዚ ግን ዝኾነ ይኹ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ከምዘየሎ ምላሽ ምሃቦም ተዛሪበን፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምዝውዋርን ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ብምፍታሽን ብሓፈሻ ድሕሪ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ብቑፅሪ፣ ሽምን ምኽንያትን ከምኡ እውን ተጠርጠርቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ብዝርዝር ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ኣብሪሀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.