መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መልክዑ ንዓለም ነፋልጠሉ መድረኽ ኢዩ – ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻዊን ማሕበራዊን ሃፍቲታ ብዝግባእ ንዓለም ተፋልጠሉ መድረኽ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ዲኤታ እዚ ዝበላ፥ ሓደ ኣካል መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ዝኾነ ዒድ ኤክስፖ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ዘጀመራሉ ኢዩ።
መርሃ ግብሪ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ “ዓቢዪ ጉዕዞ ናብ ሃገር” ቀፃሊ ምዕራፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ዳያስፖራታት ሃገሮም ብብዙሕ መልክዑ ንኽሕግዙ ዝዓለመ ሃገራዊ ፃውዒት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ሎሚ መዓልቲ ዝተኸፈተ ኤክስፖ ዕዙዝ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ዳያስፖራታት እንጎብነዩን እናዓደጉን ፍርያት ኢትዮጵያ ንኸፋልጡ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዶክተር መሓመድ ኢንድሪስ ብግደኦም፥ ዳያስፖራ ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምቕባል ናብ ሃገሩ ንምምፃእ እናርአዮ ዝርከብ ተሳትፎ ዝነኣድ ከምዝኾ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።