Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ውዳበ ዳያስፖራ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ አበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ውዳበ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ 18 ጥሪ 2015 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ መሓመድ እንድሪስ÷ ዳያስፖራ ብዝተወደበ መልክዑ ዘሳለጦም ተግባራት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ፣ ምህናፅ ምስሊ፣ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ከምኡ እውን ዘምፀኦም ውፅኢታት ንምብርትታዕ እቲ መርሃ ግበር ከምዝተሰናደአ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ 25 ሃገራ ዝርከቡን ዕዙዝ ግደ ዘበርከቱን ልዕሊ 40 ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዝወሃቦም ተሓሩ፡፡

እቶም ውዳበታት ዘሳለጡዎም ተግባራት ዘፋልጥ መፅሓፍ ከምዝምረቕን ንፅባሒቱ ድማ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝግበርን ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝርከቡ ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ማሕበር ንምምስራት ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከምዝፍረም እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.