መርሃ ግብሪ ኣከባብራ ቅነ ኣሸንዳ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣሽንዳ 2015 ዓ.ም ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ዝኽበረሉ መርሃ ግብሪ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ ዝጠመተ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣፅበሃ ገብረእግኣብሄር(ዶክተር)፥ እቲ በዓል ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ 13 ነሓሰ ሓበራዊ በዓል ዲያስፖራ ፍሉይ ምድላው ባዓል ኣሽንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪን ቀጥታ ፈነወ ካብ ሆቴል ኘላኔት ከምዝፎኖ ተዛሪቦም።
15 ነሓሰ ምርኢት ጎደናን ምብራህ ጥዋፍን ዝኽረ ኩሎም ሰማአታት ከምዝካየድ፣ ካብ 16 ክሳብ 24 ነሓሰ ምርኢት ደቂ አሽንዳ፣ ማርያን ዓይነ ዋሪን ኣብ ትግራይ ክሳለጥ ኢዩ ኢሎም።
17 ነሓሰ ድማ ኣሽንዳን ሃይማኖታዊን ክብሪታትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ከም ዝካየድ ኣብሪሆም።
ዶ/ር ኣፅብሃ ኣብ መግለፂኦም፥ 18 ነሓሰ ብምትሕብባር ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ትግራይን ትካል ገባሪ ሰናይ ፎሮም ኣክሽንን ዝተዳለወ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎ ሜትሮ ከመዝካየድ ሓቢሮም።
28 ነሓሰ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ በዓል ኣሸንዳ ዝጠመተ መርሃ ግብሪ ምውፅኡ ኣፍሊጦም።
ካብዚኦም ወፃኢ ዝግበር ምድላውን ተግባርን ምኽባር በዓል ኣሸንዳ ካብ ኣፍልጦ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወፃኢ ከም ዝኾነ እቶም ሓላፊ አፍሊጦም።
ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዘጋጠመን ሃሰያ ስነ ልቦና ብምሕዋይ ኣብ ልምዓት ክረባረባን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ከረጋግፃን ብዘኽእል መገዲ እቲ በዓል ንክኽበር ፃውዒት ምቕራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ፥ “ኣሽንዳ ንሰላም ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ይፍለጥ።