Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል ኢየ” ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል ኢየ” ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ሰብ ሞያታት ኪነጥ በብ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ” ብዝብል ዘቕረቡዎ ፃውዒት ምላሽ ንመሃብ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ድጋፎም ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክልትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ወይዘሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴ. ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባርቲ ብልፅና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ተወከልቲ ኩለን ክፍለ ከተማታት፣ ቤተሰብ ስፖርት፣ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት፣ ሓርበኛ ኣቦታት፣ ኣካላት ፀፅታ፣ መምህራንን ተምሃሮን፣ ሰብ ሞያታት ሕክምና፣ ሰብ ሞያታት ኪነ-ጥበብ፣ ሰብ ሞያታት ኮንስታራክሽን፣ ሓረስቶትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ምርኢት ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ሓለፍቲን ነበርቲ እታ ከተማን፥ ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ንሓደ ደቒቕ የማና ኢዶም ኣብ ፀጋማይ ኣፍ ልቦም ገይሮም ጠጠው ብምባል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ 5፡30 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንክልተ ደቒቕ ተሳሊጡ ኢዩ።

በሰዓቱ ሁሉም ኢትዮጵያውያን በያሉበት ሆነው ለአንድ ደቂቃ ቀኝ እጃቸውን በግራ ደረታቸው ላይ አድርገው በመቆም ለመከላከያ ያላቸውን ክብር ገልፀዋል።

ኣበቲ ዘተገለፀ ሰዓት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብዘዘለዉዎ ኮይኖም ንሓደ ደቒቕ እዶም ኣብ ኣፍ ልቦም ገይሮም ጠጠው ብምባል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም።

ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ኢትዮጵያውያን ኩል ግዘ ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ኢዮም ኢለን።

“ኢትዮጵያያን ተበቲኖም እንትበሃል ሓደ ዝኾኑ፣ ተዳኺሞም እንትበሃሉ ዝጥንክሩ ኢዮም” ክብላ እውን ተዛሪበን።

ኢትዮጵያውያን ኩልግዘ ጥንኩር ህዝቢታት ከምዝኾኑን ነዚ ድማ ዓድዋ ከምዝምስክር ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ “ሉኣላዊነትና ክሳብ መወዳእታ ክነኽብር ኢና” እውን ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.