Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምጥያሽ ሃገር ለኸ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምጥያሽ ሃገር ለኸ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ተኻይዱ፡፡

እቲ መርሃ-ግብሪ፥ “ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ንድምፂ መናእሰይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ኣብ ምጥያሽ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ካብ ኩለን ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ተሳቲፎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 22 መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝዘተየ እንትኸውን÷ ትማሊ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ነቲ ቤት ምኽሪ ዝመርሑ ፕሬዚዳንትን ኣካላት ኣፈፀምቲ ስራሕን ኣካይዱ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ናብ ኣባላት ኣቕሪቡ ብምፅዳቕ እቲ ቤት ምኽሪ ብዕሊ ተጣይሹ።

ብትዝታ ደሳለኝን ማህሌት ተ/ብርሃንን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.