Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምትእስሳር መናእሰይ ኣፍሪካ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝተጣየሸ ብሔራዊ ኮሚቴ ኢትዮጵያውያን መናእሰይን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መናእሰይን  መርሃ ግብሪ ምትእስሳር ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራን ፀሓፊ እቲ ብሄራዊ ኮሚቴን ኣክሊሉ ታደሰን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ሃገራት ኣድሪካ ኣምባሳደር ፍስሐ ሻወልን÷ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣክሊሉ ታደሰ ኣብ መግለፂም÷ መርሃ ግብሪ ምትእስሳር መናእሰይ ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሰለስተ ጉዳያ ክሳለጡ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ምስ ኢትዮጵያ ብዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ኤምባሲታት ኩባን ደቡብ ኮሪያን ምክፋል መኣድን “ኣፍሪካ ፋራተርኒቱ ዲነር ፕሮግራም” ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኢትዮጵያውያንን ነተን ሃገራት ዘተኣሳስሩ ፅሑፋትን ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ካልኣይ ድማ 19 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዝጅምር “ፕላንት ኣፍሪካ ፋራተርኒቲ” ዝተብሃለ ተግባር እንትኸውን÷ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተኸላ ፈልሲ፣ ልዝብን ዑደትን ዝገብሩሉ ኢዩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኬንያ፣ ጂቡቲ፣ ኤርትራን ሩዋንዳን ከምዝካድ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሳልሳይ ድማ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ዝሳቱሉ “ሓሳብ ኣፍሪካዊ ተስፋ” እንትኸውን÷ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ።

ብፀጋዬ ወንድወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.