Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምስጋና ዶብ ተሳገርቲ ወለንታውያን መናእሰይ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣገልግሎት ወለንታ እናሃቡ ንዝነበሩ ዶብ ሰገር ወለንታውያን መናእሰይ መርሃ ግብሪ ምስጋና ተኻይዱ፡፡

ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ 80 ወልታውያን መናእሰይ ን20 መዓልቲታት ዝፀንሕ ኣብ 11 ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ብምዝውዋር ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ወለንታ እናሃቡ ከምዝፀንሑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምስጋና ዝተረኸባ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ( ዶ/ር)÷ ኣገልግሎት ወለንታ ኣብ ምርግጋፅ ተረባሕነት ዜጋታት ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ፍቕሪ ሃገር ብተግባር ዝግለፀሉ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ብኣሸናፊ ሽብሩን ፍቅርተ ከበደን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.