Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክትታት ማይ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክትታት ማይ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ስራሕቲ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ንምድጋፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎዉ 12 ተፋሰሳት ንልምዓት ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣብ ዘለዎም ዝተወሰኑ ተፋሰሳት ብዝተዋደደ መገዲ ንምልማዕ ትልሚ ብምሓዝ ይሰርሕ ኣሎ።

እቶም ተፋሰሳት፥ ኣባይ ፣ ኣዋሽ ፣ ዋቢ ሸበሌ፣ ሪፍት ቫሊ፣ ኦሞ ጊቤ ፣ ዳናክልን ተከዜን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድስን ጣልያንን ከምኡውን ሕብረት ኣውሮፓ ልዑል ሓገዝን ልቓሕን ዝተረኸበ ደገፍ ከምዝስርሑ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ሃገራዊ ጎስጓስ ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ኢ/ር ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታን ኣሸናፊ ሽብሩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.