Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ሓባራዊ መኽፈቲ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ፌዴሪኢ ሎሚ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓባራዊ መኽፈቲ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ካልኣይ ዓመት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ፡፡

ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዘበን ስራሕ ዝሓለፈ ዓመት 2014 ዓ.ም ዛዚሞም ኣብ 2015 ዓ.ም ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ ክሕዙ እዮም፡፡

ብመሰረት እዚ እውን መርሃ ግብሪ ሓባራዊ መኽፈቲ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ካልኣይ ዓመት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሎሚ 30 መስከረም 2015 ዓ.ም፤ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ካብ ስዓት 8፡30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ትልሚ መንግስቲ ብዝምልከት ንክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ መደረ ክስምዓ እየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት፣ ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ ካብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.