መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕል ኢዩ – ፍልይቲ ልእኽቲ ጀርመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፍልይቲ ልእኽቲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ትግበራ ምምሕያሽ ክሌማዊ ለውጢ ጀርመን ጄኒፈር ሊ ሞርጋን ገሊፀን።
እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝብል ፈልሲታት ምትካሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ምስ ህዝቢ ሓቢሮም ፈልሲ ምትካሎም ዘደንቕ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኣብ ኣመራርሓ ዝርከቡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ፈልሲ ምትካሎም ንህዝቢ ፅቡቕ ኣርኣያ ከምዝኾነ እውን ኣብ ፃንሒተን ኣልዒለን።
እቲ በረኻነት ምፅዋርን ምሽርሻር መሬትን ምክልኻል ኣብ ከምዝከኣል ንሕብረተሰብ ኣብ ምምሃር ፅቡቕ ኣብነት ከምዝኸውን እውን ተዛሪበን፡፡
ብዮናታን ዮሴፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com