Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ንስግግር ፍትሒ ግደኦም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝተማለአ ትግበራ ስግግር ፍትሒን ፍትሒ ንምርግጋፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝግደኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብ ፍኖተ ካርታ ምትግባር ስግግር ፍትሒን ፖሊሲን ጠሚቱ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣመራርሓን መራኸብቲ ሓፋሽ ስልጠና ዕበይ ግንዛበ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኤርሚያስ የማነብርሃን (ዶ/ር)፥ ስግግር ፍትሒ ዝተማለአ ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስግግር ፍትሒ ዝተበደሉ ዜጋታት ዝከሓሱሉ፣ ሰላም፣ ምርግጋእ፣ ዕርቂን ልዕልነት ሕጊን ዝዓሰላ ሃገር ንምህናፅ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ፀገማት ብዕርቂ፣ ብካሕሳ፣ ብይቅርታን መምርሒ ተሓታትነት ምላሽ ንመሃብን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ነዚ ድማ ጉጅለ ሰብ ሞያ ተጣይሹ ስራሕቲ ምድላው ፖሊሲ ተዛዚሙ ፍኖተ ካርታ መተግበሪ ፖሊሲ ከምዝተሰናደአ ገሊፆም።

ኣብዚ ከይዲ ተሳትፎ ህዝቢ ብዝድለ መልክዑ ንኽኸውን መራኽብቲ ሓፋሽ ናይ ምምሃርን ምግንዛብን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

“ንዝታማለአ ትግበራ ስግግር ፍትሒን ፍትሒ ንምርግጋፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘይትካእ ግደ ኣለዎም” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.