Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከድህቡ ይግባእ – ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኸ ነበርቲ ከተማ ሽረ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ኣድሂበን ንኽሰርሓ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዝተሳተፉ ነበርቲ ገሊፆም።

እቶም ተሳተፍቲ÷ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽጠናኸር፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከድህባ፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ኣማራፂታት ትራንስፖርትን ብቕልጡፍ ንኽፍትሑ ሓቲቶም፡፡

“መሬት ትግራይ ድምፂ ጥይት ዘይኮነስ ዜና ልምዓት ይናፍቕ” ዝበሉ እተም ተሳተፍቲ÷ ድሕሪ ሕዚ ፀገማት ብዓውደ ኲናት ዘይኮነስ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ክፍትሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ነዚ ድማ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ሙሁራንን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እቶም ተሳተፍቲ ተዛሪቦም፡፡

ንዜጋታት ንሓስብ ኢና ዝብሉ ኩሎም ዝተጀመረ ሰላም ክቕፅል ብምግባር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጠጠው ንኽብሉ ፀዊዖም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ፣ ለይኩን ኣለምን ታሪኩ ወልደሰንበትን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.