Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ ፣ ሶማሊያን ጅቡቲን ሓበራዊ ዘተ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መበል 38 ህፁፅ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ንምስታፍ ኣብ ጅቡቲ ይርከቡ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብዚ እዋን፥ ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሕድሕዳዊ ዘተ ገይሮም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ሕድሕዳዊ ዘተ ብተወሳኺ፥ ምስ መራሕቲ ሃገራት ሱዳን፣ ኬንያ ፣ ሶማሊያን ጅቡቲን ሓበራዊ ዘተ ኣካይዶም።

ብምትሕብባር ምርግጋእ ምዕሳል፤ ዞባዊ ምዕባለን ልምዓትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ህፁፃት ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተኣኪብና ንምዝርራብ ብምእካብና ሕጉስ ኢየ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.