Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ውሳነ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ታሪካዊ ስትራቴጂያዊ ርክብ ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ውሳነ ኣመሓላሊፎም።

ብሚኒስትር ፋይናንስ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጂቡቲ ዑደት ገይሩ፡፡

እቲ ልኡኽ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ዑመር ጌሌ ኣብ ዘረደአሉ እዋን፥ ኣብ ሓበራዊ መንነት ዝተጋመደ ኩለመዳይ ስትራቴጂካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ እናዓበየ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ታሪካዊን ስትራቴጂያዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ቅድም ክብል ብመሰረት ዝተገበረ ዘተ  ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

ብመሰረት እዚ፡-

ተመን ዋጋ ኣትክልቲን ፍረምረን ብዝምልከት፥ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ብዘጣይሹዎ ሓበራዊ ኮሚቴ ኣቢሉ እዋናዊ ዕዳጋ ጂቡቲን ኩነታት ናብራ ሰፊሕ ህዝቢን ኣብ ግምት ዘእተወ መመሓየሺ ዋጋ ክሳብ ዝግበር ኣብ ጂቡቲ ጥራሕ ቅድም ክብል ብዝነበሮ ዋጋ ንኽቕፅል ተወሲኑ።

ን40 ዓመታት እናተሰርሐሉ ዝፀንሐ ናብ ጂቡቲ ዝለኣኽ ታሪፍ ፍርያት ጫት ክብ ክብል ብምግባር ቅድም ኢሎም እቶም መራሕቲ ብመሰረት ዝገበሩዎ ስምምዕ ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

ኣምፃእቲ ጂቡቲ ፍርያት ጫት ውዕሊ መሸጢ ወፃኢ ምፍፃም እንተይኣድለዮም እቲ ፍርያት ምእታው ንኽኽእሉ ከምኡ እውን ክፍሊታት ኣገልግሎት ባሕሪ ብመንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከቶም ኣካላት ሓበራዊ ምይይጥ ተገይሩሉ ኣብ ውሳነ ክሳብ ዝብፃሕ መስተኻኸሊ እንተይተገበረ ብዝነበሮ ዋጋ ንኽቕፅል ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

እቲ ልኡኽ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጂቡቲ ኣይተ ማሕሙድ ኣሊ የሱፍ፣ ሚኒስትር ንግዲን ቱሪዝምን ኣይተ መሓመድ ዋርሳማ ዲሬህ፣ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣይተ ኣቡበከር ዑመር ሓዲን ረኺቡ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ዲፕሎማሲ፣ ንግዲ፣ኢንቨስትመንት፣ ወደብን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ተዛቲዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዝተፃረየን ድፍድፍን ፍርያት ዘይቲ ብልዒ ዘቕርብ ትካል ጎልደን ኣፍሪካ ከምዝተዓዘበን ምስ ሓለፍቲ እቲ ትካል ከምዝተዛተየን ተመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.