Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ጉዳያት ዩክሬንን ጋዛን ንምዝታይ ተኣኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ጉዳያት ሃማስን እስራኤልን ከምኡውን ዩክሬንን ጋዛን ንምዝታይ ኣብ ጣሊያን ከምዝተኣከቡ ተገሊፁ።

እቲ ኣኼባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።

እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ኲናታት፣ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ፍልሰት ሃማስን እስራኤልን ከምኡውን ዩክሬንን ጋዛን ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምፕሬዚዳንት ካናዳ፣ ብሪታንያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ጣሊያንን ጃፓንን ኣብ ሓበራዊ ዛዕባታት ንምዝታይ በቢዓመቱ ይእከቡ ኢዮም።

ኣብቲ ኣኼባ ፖፕ ፍራንሲስ ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዜለንስኪ፣ ፕሬዚዳንት ቱርክ  ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶሃንን ካልኦት መራሕቲ ከምዝተረኸቡ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.