Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።

ክሳብ ሕዚ ድማ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጌሌህን ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን መናንጋጋዋን ኣትዮም ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ኦማር ጌሌህ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ንፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን መናንጋጋዋን ድማ ሚኒስትር ሳይንስን ናዕለዎት ትካላት ትምህቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ኣቀባብላ ገይረናሎም ኢየን።

መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መፃኢ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

መበል 36 ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ እቲ ሕብረት ድማ ትማሊን ሎሚን ተሳሊጡ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ፥ “ ጎንፂን ኲናትን ብምውጋድ ንልምዓት ኣፍሪካ ምዕሩይ ሃዋህው ምፍጣር” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊን ኣህጉራን ትካላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.