Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ንጉባኤ እቲ ሕብረት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ፕሬዚዳንት ሞውሪታኒያ መሓመድ ኡልድ ኤልጋዝዋኒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ኣለዉ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምክትል ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ፊሊፕ ምባንጎ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ፊሊፕ ምባንጎ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላን ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያና ኣቀባበል ገይሮምሎም።

ፕሬዚዳንታት ናይጄሪያ፣ ሴኔጋል፣ ኮትዲቧርን ማላዊን ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት ጋምቢያ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.