Fana: At a Speed of Life!

መራሒ ኣልቃይዳ ቃሲም ኣል ራይሚ ኣብ የመን ተቐቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሒ ኣልቃይዳ ዝነበረ ቃሲም ኣል ራይሚ ጦር ሰራዊት ኣሜሪካ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብ የመን ምቕታሉ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓያን ካብ 2015 ጀሚሩ ንጉጅለ ራዕዲ ኣልቃይዳ እናመርሐ ዝነበረ ቃሲም ኣል ራይሚ ኣብ የመን ከባቢ ወሽመጥ ባሕሪ ዓረብ ብዝፈፀመትሉ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ገሊፃ።

ቃሲም ኣል ራይሚ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓያን ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ረብሓ ምዕራባውያን ትኹረት ገይሮም ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ርክብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ካብ የመንን ስዑድ ዓረብን ዝተውፃእፀአ ጨንፈር ኣልቃይዳ፥ ኣብቲ ወሽመጥ ባሕሪ ክጣየሸ ዝኸኣለ ብምዕራባውያን ዝሕገዝ መንግስቲ የመን ንምድኻምን ኣብቲ ፅዕንቶ ምዕራባዊያን ካብቲ ከባቢ ንምውጋድን ተሓሲቡ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብቲ ከባቢ ካብ ካብ ዝጣየሽ ንደሓር ኣብ የመን ብዙሓት መጥቃዕቲታት ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር ንዓመታት ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ከይህሉ ገይሩ ኢዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ መራሒ ምቕታሉ ካብ ምርግጋፅ ወፃእ መዓዝ ከምዝተቐተለ ግን ዕላዊ ኣይገበረን።

ምቕታል እቲ መራሒ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ከባቢ ይኹን ብብርኪ ዓለም ዘሎ ምንቅስቓስ ኣልቃይዳ ከምኡ እውን ኣብ ፀፅታ ዘሎ ስግኣት ከምዝንከዮ ኣሜሪካ ገሊፃ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.