Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት ክልል ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት ክልል ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኮሚቴ ኣፈፃሚ ፀፅታ መረፃ ፌዴራል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚቴ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ መረፃ ርኡይ ብፅሒት እንተየጋጠሞ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ እናተሳለጠ ገሊፁ።

ኮሚቴ ኣፈፃሚ ፀፅታ መረፃ ፌዴራል ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ብዘሳተፈ መልክዑ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ቀንዲ ዕላምኡ ድማ መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንኽካየድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ኢዩ።

ኮሚቴው ከክልልና ከተማ መስተዳደር ተወካዮች ጋር በመሆን እስካሁን ያለውን የምርጫ ጸጥታ አፈጻጸም ገምግሟል።

ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚነሲትርን ኣካቢ እቲ ኮሚቴን ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ መረፃ ሰላማዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናውቲ መረፃ ብዓጀባ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ምጉዕዓዝ ከምዝተኸኣለን ኣብ ጣቢያታት መረፃ ምስ በፅሑ እውን ሓለዋ እናተገበረሎም ከምዝኾኑን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ይኹ እምበር ኣ ዝተወሰኑ ካቢታት ሕፁያት መረፃ ብግቡእ ብዘይኮነ ኩነታት ምንግልታዕ ሓዊሱ ኣናእሽተይ ዝኾኑን ብቐሊሉ ክእረሙ ዝኽእሉ ፀገማት ተራእዮም ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.