Fana: At a Speed of Life!

መረፃን ንቑሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መረፃን ንቑሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ የሳለጥ ኣሎ።

ኮሚሽነር ደቂ ኣንስቲዮን ህፃናትን እቲ ኮሚሽን ወይዘሮ መሰረት ማሞ፥ ማዕርነት ፆታ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ድንጋገታት ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚሩ ኣብ ካልኦት ዝርዝር ሕግታትን ፖሊሲታትን ከምዘካተተት ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 38፥ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብፆታ ወይ ድማ ብኻሊእ ኣፈላላይ እንተይገበረ መሰል ምምራፅ ከምዘለዎ ከምዘለዋ ዝድንግግ ኢዩ ኢለን።

ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታትን ካልኦትን ኣብ ልዕሊኣካልን ስነ ልቦናን ፅዕንቶ ዘሕድሩ ኩለመዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲታት፥ ደቂኣንስቲዮ ሕፁያት ኮይነን ከይቐርባ ኣብ ኣመራርሓ ስራሕ መረፃ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናብ መድረኽ ከይወፅኣ ልዑል ፅዕንቶ ምሕዳሮም ገሊፀን፡፡

ብመንፅን ፖቲካዊ ተሳትፎአን ይኹን ዜግነታዊ መሰለን ኣብ ምጥቃም ተስፋሕፊሑ ዘሎ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ምኽንያት ፅዕንቶ ከምዝበፅሐን ኣብሪሀን፡፡

እዚ ድማ ከም ሃገር ዴሞክራሲን ምዕባለን ንደሓር ከይተርፍ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ዕዉት ክኸውን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘተዓናቕፍ ከምዝኾነ ኣብገንዚበን፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀፃሊ መረፃ ኣብ መድረኽ ምሃብ ውሳነ ሃገረን ብዝግበአን መጠን ተሳቲፈን ህንፀት ዴሞክራሲሉኣለዊነት ሃገርን ሰብ ዋናን ኣካል ክኾናን ከምኡ እውን ፓርቲታት ኣባልነት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምጥንኻር ዛዕበኦም ከካትቱ ከምዝግባእ፤ ሲቪክ ማሕበራት እውን እቲ መረፃ ንስርዓተ ፆታ ምለሽ ወሃብቲ ንኽኾኑ ሓቲተን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፣ ምዕሩይ ኩነታትን ማሕለኻን፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ምድንፋዕ ተሳትፎን ውክልናን ደቂ ኣንስትዮን ከይዲ መረፃ ስርዓተ ፆታ ወሃቢ ምላሽ ንኽኸውን ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ተኻይዱሎም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.