Fana: At a Speed of Life!

መረፃን ህዝበ ውሳነን ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ውፅኢቶም ደሚሮም ዝወድኡ ክልላት መረፃ ናብ ማእኸል እናምፅኡ ከምዝኾኑ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብን ኣብ ዝተኻየደ መረፃን ህዝበ ውሳነን ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን ሶሊያና ሽመልስ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ መረፃን ህዝበ ውሳነን ውፅኢቶም ደሚሮም ዝወድኡ ክልላት መረፃ ናብ ማእኸል እናምፅኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ክሳብ ሕዚ ድማ 29 ክልላት መረፃ ውፅኢት ናብ ማእኸል ኣቲዮም ናይ ሰለስተ ክልላት መረፃ ውፅኢት በቲ ቦርድ ዕላዊ ከምዝኸውን ተዛሪብን።

ካብዚ ብተወሳኺ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝተኻየደሎም 22 ክልላት መረፃ ውፅኢት ቅድመ መረፃ ዕላዊ ዝኾነ እንትኸውን፥ ሓፈሻዊ ድምር ውፅኢት ብሰብ ሞያ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተሓጊዙ ኣብ ቢሮ መተሓባበሪ ቦንጋ ቆፀራ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.