Fana: At a Speed of Life!

መምርሒ ቀጥታ ዕድጊት ፍርያት እኽሊ ቅብኣትን ጥረምረን ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መምርሒ ቀጥታ ዕድጊት ፍርያት እኽሊ ቅብኣትን ጥረምረን ቁፅ 1026/2017 ከምዝፀደቐ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲ ጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን ብምምሕያሽ ካብ ንኡስ ዘፈር ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 750 ሚሊየን ብር ኣታዊ ንምርካብ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ነዚ ፃዕሪ ዝሕግዝ ፍርያታት ናይ ቅብኣት እኽሊን ጥረምረን ብቐጥታ ዕድጊት ምግባር መምርሒ ቁፅሪ 1026/2017 ከምዝፀደቐ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ በፆም ኣፍሊጦም፡፡

እቲ መምርሒ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ማሕለኻታት ዕድጊት ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ወፃኢ ኣብ ምንካይ፣ ተበፃሕነት ኣብ ምምሕያሽን ምትእስሳር ዕድጊት ኣብ ምሕፃር ተወዳዳራይነት እቲ ዓውዲ ከምዘረጋግፅ እውን ሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.