መመሓየሺ ፖሊሲ ጥዕና ብምግባር ሕማማት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መካተቲ ማእኸል ዝገበረ መመሓየሺ ፖሊሲ ጥዕና ብምግባር ሕማማት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻልን ሓኪምካ ናይ ምድሓንን ዓቕሚ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕናን ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ ገሊፆም፡፡
ዶ/ር ደረጄ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና መካተቲ ማሕበራዊ ልምዓት ምርግጋፅ፣ ማሕበራዊ ብልፅግና ጥዕና ጋህዲ ንምግባር ብዝብል ብዘቐመጦ ኣንፈት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ትካል ኣብ ምህናፅን ብማሕበረሰ ዝሐሸ ተቐባልነትን ንምርካብ ሓደሽቲ ሓሳባት ብምብቃዕ ልዑል ናእዳ ዝወሃቦም ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቦም ኢዮም፡፡
እቲ ፓርቲ ሰብ ተኮር ብምዃን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር÷ ኣረጋውያን፣ ጉድኣት ኣካልን ዓቕመ ደካማታትን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ሰፋሕቲ ማሕበራዊ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣካታታይነት ማእኸል ዝገበረ መመሓየሺ ፖሊሲ ጥዕና ብምግባር ሕማማት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻልን ሓኪምካ ናይ ምድሓንን ዓቕሚ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም፡፡
እቲ ፓርቲ ንሴክተር ጥዕና ልዑል ትኹረት ብመሃብ ኢትዮጵያ ማእኸል ሜዲካል ቱሪዝም ክትከውን ብዙሓት ታስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡