መመሓየሺ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ዓወት ኣምፂኡ ኢዩ – ማሞ ምህረቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ መሰረታዊ ለውጢን ጭቡጥ ዓወትን ከምዘምፀአ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግናን ገዛኢ ብቤራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ማሞ ምህረቱ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሞን ዝተወገኑ ዓበይቲ ስራሕቲ ሪፎርም ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ጠሚቶም መብርሂ ዝሃቡ ማሞ ምህረቱ፤ መመሓየሺ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ታሪኻኻ ብዙሓት ጭቡጣት ውፅኢታት ዝተመዝገቡሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ንኣብነት ድማ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ ናህሪ ዋጋ ክፃወር ብዝኽእል መልክዑ ዝተወገነን ውፅኢቱ ድማ ዕዉት ኮይኑ ከምዝቐፀለን ገሊፆም።
ቅድሚ መመሓየሺ ፖሊሲ ነዛ ሃገር ገንዘብ ሕፅረት ፍርያትን መፍረያይነትን ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ እናፈተና ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ድሕሪ እቲ መመሓየሺ ግን ናህሪ ዋጋ ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ሕዚ ናብ 16 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።
ኣብ ምምሕዳር ሸርፊ ወፃኢ ዝተገበረ መመሓየሺ ኣብ ኢኮኖሚ መሰረታዊ ለጢ ከምዘምፀአ ብምፅራሕ፤ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን ብዝድለ መልክዑ ንምስትኽኻል ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅልኡ ኢዮም ኢሎም።
ንኢትዮጵያ በቢእዋኑ ዝፍትና ዝነበረ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ መሰረታዊ ብዝበሃል መልክዑ ዘቃለለ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ክዙን መሕለዉ ሸርፊ ወፃኢ ብልዕሊ 200 ፐርሰንት ክብ ከምዘበሎ ገሊፆም።