Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ምሕደራ ሰርዓት ሸርፊ ወፃኢ ንምዕዋት ዝተገበሩ ሰፋሕቲ ቅድመ ምድላዋት፡-

መመሓየሺ ምሕደራ ሰርዓት ሸርፊ ወፃኢ ንምዕዋት ዝተገበሩ ሰፋሕቲ ቅድመ ምድላዋት፡-

  1. ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለዎም ዘዜጋታ ክበፅሕ ዝኽእል ፅዕንቶ ንምቅላል መንግስቲ ካብ ወፃኢ ዝኣተው ሓደ ሓደ መሰረታዊ ሸቐጣት ዋጋ ብግዚያዊነት ንምድጓም ወሲኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ መዳይ፣ መንግስቲ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝጥቀሙሎም ከም ነዳዲ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)፣ መድሓኒትን ዘይቲ ብልዒል ዝበሉ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣርባዕተ መሰረታዊ ሸቐጣት ፅዕንቶ ዋጋ ብሓደ ግዘ ናብ ሸመትቲ ከይመሓላለፍ ወሲኑ ኣሎ፡፡
  2. ካብ ቀረባ ዓመታት ነደሓር ብልዑል ናህሪ ዋጋ ምኽንያት ዋጋ ሓቀኛ ኣታዊኦም ንዝተሸራረፎም ወገናት ሓገዝ ገንዘብ ክግበረሎም ኢዩ፡፡ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ዝበፅሐን ክበፅሕ ዝኽእልን ፅዕንቶ ንምህዳእ ተባሂሉ ዘሎ ፍልፍል ገንዘብ ብምጥቃምን ጉድለት በጀት መንግስቲን ብዘየተሓሳስብ መልክዑ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ መደጎሚ ምኽባር ናብራ መሃያ ንምውሳኽ ተሓሲቡ ኣሎ፡፡

ከምኡ እውን፣ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገፀር ንዝርከቡ ብሚሊየን ንዝቑፀሩ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ስድራቤታት ዝግበር ሓገዝ ሴፍቲኔት ብልዑል ብርኪ ንኸዓቢ ተገይሩ ኣሎ፡፡ እዞም ስጉምቲታት ዝርዝር ኣፈፀፅመኦም ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣቢሉ ክግለፅ ኢዩ፡፡

  1. ማሕበራዊ ወፃኢ መንግስቲ ንምድጋፍን ንክፍሊት ዕዳ ወፃኢ ዝውዕል ልዑል ወፃኢ ብር ንካልኦት ወፃኢታት ብዘይሻመ መልክዑ ምዃኑ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ሓገዝ መቕለሊ ዕዳ ወፃኢ ተረኺቡ ኣሎ፡፡ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ቅድም ኢሉ ምርካቡ መንግስቲ ማሕበራዊን ድኽነት ተኮር ወፃኢታትን ዘውዕሎ ኣመዳድባ ሃፍቲ ከይተኣጓጎልን ኣብ ቀፀልቲ ዓመታት እውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ይሕግዞ፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተፀርሑ ናይ መፍትሒ ስጉምቲታት ሓሊፉ፣ ናብ ሓዱሽ ምሕደራ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ዝግበር ስግግር ንምቅልጣፍን ኣብ ገንዘብን ፊስካል ፖሊሲታትን ምውዳድ ምህላዉ ንምርግጋፅ ምትሕብባር ብሄራዊ ባንኪን ሚኒስቴር ገንዘብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.