Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ መሃያ ሲቪል ሰርቫንት ብዝብል ዝተጋወሐ ሓበሬታ ሕሶት ከምዝኾነ መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ መሃያ ሲቪል ሰርቫንት ብዝብል ዝተጋወሐ ሓበሬታ ሕሶትን ዝኾነ ይኾን መበገሲ መሰረት ዘይብሉን ከምዝኾነ ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ስኬል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እናጋውሑ ዝርከቡ ሓበሬታታት ሓሶት ኢዮም፡፡

ዝኾነ ይኹን ለውጢ ስኬል መመሓየሺ መሃያ እንድሕር ሃሊዩ ሕጋዊ ሰብነት ብዘለዎምን ብዝንልከቶም ኣካላትን ዕላዊ ከምዝግበር ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ውሳነታት እንትህልዉ ብዝርዝር መፅናዕቲን ስነስርዓት ምፅዳቕ በጀትን ተኸቲሎም ዝካየዱ ከምዝኾኑ ምርኣይ ጠቓሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተናፈሱ ዝርከቡ ሕሜታት ሓቀኛ መሰረት ከምዘይብሎም ብምግላፅ÷ ተመሳሳሊ ህይወት ሚሊየናት ዝነክእ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ምግዋሕ ግቡእ ከምዘይኮነ ፀሪሖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.