Fana: At a Speed of Life!

መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ ሑመራ – ወልቃይት – ሽረ ይፅገን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ ሑመራ – ወልቃይት – ሽረ እናተፀገነ ምዃኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ኦፕሬሽን መከፋፈሊ ጣቢያታትን መተሓላለፊ መስመራትን ሓይሊ ኤልክትሪክ ኢትዮጵያ ሃብታሙ ውቤ ከምዝገለፁዎ÷ ብምኽንያት እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ኣብ ሓፂ እዋን ንምዝዛም ርብርብ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ብምዃኑ ዓበይቲ መመሓላለፊ መስመራትን መከፋፈሊ ጣቢያታትን ሓይሊ ሑመራ – ወልቃይት – ሽረ ስራሕቲ ፅገና እናተሳለጠ ከምዝኾነ ምግላፆ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከተማታት ሑመራ፣ ወልቃይትን ከባቢኡን ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስለዝኾ ኣብ ሓፂር እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኽረኽቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.