Fana: At a Speed of Life!

መሓውርን ኣወዳድባ እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

መምርሒ ህፁፅ ግዜ 5 /2014 ቁፅሪ 1/2014

“ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሉእላውነትን ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 5/2014” ፣ ዓንቀፅ 7 (1) ኣፈፃሚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፣ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦርን ተፀዋዒ ዝኾነ ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ዝምራሕ እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ አብቲ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (2) እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ መሓውርን ኣወዳድባን ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝውሰን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መሓውርን ኣወዳድባን እቲ እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዝስዕብ ንክኸውን ብምውሳን እዚ ዝስዕብ መምርሒ ወፂኡ ኣሎ።

  1. መሓውርን ኣወዳድባን እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ብብርኪ ፌዴራልን ክልልን ንኽክታተሉ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ኮሚቴታት ተጣይሾም ኣለዉ

1) ኮሚቴ ክትትል ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ፌዴራል

2) ኮሚቴ ፀፅታ መምርሒ እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ የፌዴራል

3) ኮሚቴ ክልል እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

  1. ተፀዋዕነት

ካብዚ ንላዕሊ ዝተገለፁ ኮሚቴታት ተፀዋዕነቶም ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢዮም። እቶም ኮሚቴታት ኣፈፃፅመኦም ኣመልኪቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር በቢግዜኡ ፀብፃብ ይቐርብ።

  1. ሓላፍነት እቶም ኮሚቴታት
  2. ብብርኪ ፌዴራልብ ክልልን ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ንኽከታተሉ ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ሓላፍነቶም ብዝምልከት ከምዝስዕብ ይኸውን

ሀ)ሓላፍነት ክትትል ኮሚቴ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ፌዴራል

1.ምስ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ በዝተተሓሓዘ ዘለዉ ስራሕቲ ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲን ርክብ ህዝብን ምትሕብባርን ምክትታልን

2.ዕላማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ንምዕዋት ዝሰርሑ ስራሕቲ ኣወዳድባን ምንቅስቓስን ህዝቢ ምትሕብባርን ምክትታልን

  1. ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ በዝተተሓሓዘ ዘለዉ ቅርታታት ህዝቢ ምላሽ ንክረኽቡ ክትትል ድጋፍን ምግባር
  2. ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ዜጋታት ኣድላዪ ድጋፍ ዝረኽብሉ መገዲታት ምስላጥ

ለ) ሀ)ሓላፍነት ኮሚቴ ፀፅታ እዚ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ፌዴራል

  1. ዕለታዊ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ብብርኪ ፌዴራል ምምራሕ፣ ምትሕብባርን ምክትታልን
  2. ኣብቲ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ዝተደንገጉ ክልከላታትን ግዴታታትን ተፈፃምነቶም ምክትታል
  3. ኩሎም ሓይሊታት ፀፅታ፣ ድሕንነትን ኣካላት ኣክበርቲ ሕጊን ብዝተዋደደ ኩነታት ንክንቀሳቐሱ ምኽኣል
  4. ንምዕዋት እቲ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ኣድላዪ ዝኾኑ ኦፕሬሽናት በዝተዋደደ መልክዑ ምትላምን ተግባራዊ ምግባርን

ሐ) ሓላፍነት ኮሚቴ ክልል እዚ መምርሒ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ

1.ብብርኪ ዞባ፣ ወረዳን ቀበሌን ነቲ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ዘፈፅሙ ግብረ ሓይሊታት ምጥያሽ

  1. ብብርኪ ክልል ምስ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ በምትሕሓዝ ዘለዉ ስራሕቲ ፖለቲካን ርክብ ህዝብን ምትሕብበርን ምክትታልን
  2. .ብብርኪ ክልል ዕላማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ንምዕዋት ዝሰርሑ ስራሕቲ ኣወዳድባን ምንቅስቓስን ህዝቢ ምትሕብባርን ምክትታልን
  3. ብብርኪ ክልል ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብዝተተሓሓዘ ዘለዉ ቅርታታት ህዝቢ ምላሽ ንክረኽቡ ክትትል ድጋፍን ምግባር
  4. ብብርኪ ክልል ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ዜጋታት ኣድላዪ ድጋፍ ዝረኽብሉ መገዲታት ምስላጥ
  5. ምስ ኮሚቴ ፀፅታ እዚ መምርሒ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ፌዴራል ብዝተናበበ መገዲ ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ እቲ ክልል ምምራሕ፣ ምትሕብባርን ምክትታልን

4) ምትሕንፋፅ ኮሜቴታት

ብብርኪ ፌዴራልን ክልልን ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ንክከታተሉ ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ምሕንፋፅ ብዝምልከት

ሀ) ኮሚቴ ክትትል ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ፌዴራል

  1. ኣይተ ደመቀ መኮንን (ም/ቀ/ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን) – ኣካቢ
  2. ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ – ኣባል
  3. ኣይተ በለጠ ሞላ – ኣባል
  4. ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ – ኣባል
  5. ኢንጂነር አይሻ መሐመድ – ኣባል
  6. ዶ/ር ኤርጎጌ ተስፋዬ – ኣባል
  7. ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ -ኣባል
  8. ኣይተ ሬድዋን ሁሴን – ኣባል
  9. ኣይተ ምትኩ ካሳ – አባል

ለ) ኮሚቴ ፀፅታ መምርሒ እዚ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ፌዴራል

  1. ጄ/ል ብርሃኑ ጁላ( ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር) – ኣካቢ
  2. ናይ ብሄራዊ መረጃን ደሕንነትን ኣገልግሎት ዳይሬክተር ጄነራል – ኣባል
  3. ናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽነር – ኣባል
  4. ናይ ፍትሒ ሚኒስትር – ኣባል
  5. ናይ መንግስቲ ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት – ኣባል

ሐ)ኮሚቴ መምርሒ እዚ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ክልል

  1. ናይቲክልል ርዕሰ ምምሕዳር – ኣካቢ
  2. ምክትል ርዕሰ ምምሕዳር – ም/ኣካቢ
  3. ሓላፊ ቢሮ ፀፅታን ምምሕዳርን እቲ ክልል – አባል
  4. ናይቲ ክልል ፖሊስ ኮሚሽነር – አባል
  5. ናይቲ ክልል ፍትሒ ቢሮ/ጠቅላይ ዐቃቤ ሕጊ – አባል

ኣዲስ ኣበባ 24/2/2014

እዚ መምርሒ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.