Fana: At a Speed of Life!

መላእ ህዝቢ ዝተገበረሉ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ብዝገበሮ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዘኹርዕ ዓወት ተመዝጊቡ – እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መላእ ህዝቢ ዝተገበረሉ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ብዝገበሮ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዘኹርዕ ዓወት ከምዝተመዝገበ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ዝከታተልን ብላዕለዋይነት ዝመርሖን መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቁ.2 ከምዝሓበሮ፥ እቲ ኣዋጅ ካብ ዝወፅአሉ እዋን ጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታትን ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅን ትማሊ ምሸት ዝገምገመ እንትኸውን፥ ንሕብረተሰብ ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ምላሽ፣ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅን ወታደራዊ ስጉምቲታትን ብምግምጋም ዝተፈላለዩ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኣረጋጊፁ።

ብመሰረት እዚ ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ኣብ ዝግበር ወፍሪ፥ ህዝቢ ክልላት ኣምሓራ ዓፋርን ኦሮሚያን ዝተገበረሎም ሃገራዊ ፃውዒት ብምቕባል ናብ ኩለን ግምባራት ከምዝኸተተን ካልኦት ኣናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡን ኣብሪሁ።

ሓይሊ ጥፍኣት ኣብ ግምባር ባቲ-ኣሳጊታ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ መዓልቲታት ካብ 20 ዘይነኣሱ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓሳት ገይሩ ኢዩ።

ጀጋኑ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋር ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምውዳድን ብኣሞራ ሓይሊ ኣየር እናተሓገዘ፣ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ልዑል ክሳራ ብምብፃሕ፣ ኩሎም ምንቅስቓሳት ምጥቃዕ ብምፍሻል ወራሪ ስዕረት ክጎናፀፍ ገይሮምዎ ኢዮም።

ፀላኢ ሚለ ንመሓዝ ዝነበሮ ድሌት እውን ናይ ሕልሚ እንጀራ ገይሮሙሉ ኢዮም ኢሉ።

ኣብ ወሰን ክልላት ዓፋርን ትግራይን ከባቢ ቢሶበር ጁንታ ትማሊ ዝኸፈቶ ሓዱሽ ናይ ምጥቃዕ ፈተነ. ብፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋር ንዝመፅአ ፀላኢ አሕፊሮም ከምዝመለሱዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ግምባር ወረኢሉ ንምስፍሕፋሕ ሓሲቡ ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ፀላኢ፣ ብሚሊሻ ደቡብ ወሎን ብጅግና ሰራዊት ምክልኻልን ተወቒዑ ከምዝመኸነ ኢዩ እቲ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብግምባር ኣቀስታ ንምንቅስቓስ ሓሲቡ ዝነበረ ሓይሊ ጁንታ፥ ብሚሊሻታት ኣዊ፣ ምዕራብ ጎጃም፣ ምብራቕ ጎጃምን ደቡብ ወሎን ተወቒዑ ንምንሰሓብ ከምዝተገደደ ተገሊፁ።

ኣብ ግምባር ከሚሴ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ሚሊሻታት ብሄረሰብ ኦሮሞን ሰሜን ሸዋን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ብዝገበሩዎ ቃልሲ ነቲ ወራር ብምምካት፣ ናብ ምንቅስቓስ ፀረ መጥቃዕቲ ተሰጋጊሮም ተባሂሉ።

እቲ ሓይሊ ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ተደጋጋሚ ፀረ ምጥቃዕ ይግበር እምበር፥ ምንቅስቓሱ ከምዝፈሸለ እቲ መግለፂ ኣመላኺቱ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወሰና ወረዳታት ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ምዕራብ ሸዋ፣ ሆሮ ጉድሩን ምብራቕ ወለጋን፥ ሰላማዊ ህዝቢ ብምቕታልን ንብረት ብምዝራፍ፣ ልኡኽ ጁንታ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብምድምሳስ ተሓባበርቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ፣ እቲ ልዑል ዓወት ምጉንፃፍ ተኻኢሉ ዘሎ ጥምረት ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻን እቲ ክልል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምዝኾነ እቲ እዚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.