Fana: At a Speed of Life!

መላእ ህዝቢ ኦሮሞን ኣመራርሓን ሃገር ንምድሓን ንዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ብምሃብ ንክንቀሳቐሱ ምውሳኑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)መላእ ህዝቢ ኦሮሞን ኣመራርሓን ሃገር ንምድሓን ንዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ብምሃብ ንክንቀሳቐሱ ምውሳኑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ  ጁንታ ወያኔ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ጀሚር ብሴራ፣ ተንኮል፣ ምቕታል፣ ምዝራፍ፣ ምጥላፍ ወዘተ  ዕድሜኡ ሙኡእ ዝነበረከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ፡፡

ስለዝኾነ እዚ  እኩይ ጉጅለ ምስ  እኩይ ግብሩን መርዛማ  ኣተሓሳስብኡን ምጥፋእ ካሊእ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ ኢሉ፡፡

ስጋ ተቖሪሱ- ደም ፈሲሱ- ዓፅሚ ተኸስኪሱ ዝመፅአ ህዝባዊ ለውጢ ብፍከራን ንዕቐትን ንዝመፅአ ኣሕሊፉ ዝህብ ማንነት፣ ታሪክን ስነልቦናን ብልናን ክብል ገሊፁ።

ዳግም ባርነት ንምሽካም ዝተዳለወ ማእገር ከምዘየለ እውን ሐቢሩ እቲ መግለፂ።

ነቲ ለውጢ ህዝቢ ከምዘምፅኦ ብምግላፅ፥ ዝሕልዎ እውን ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ውግእና ምስ ጁንታ ጥራሕ ዘይኮነስ በዚ እኩይ ጉጅለ  ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እኩይ ድልት ዘለዎም ናይ ውሽጢን ደገን ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት እውን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ቃልስና ዋጋ እንተኽፈለና እውን ናይ መወዳእታ ዓወት እንሓፍስ ግን ንሕና ከምዝኾንና ብፍፁም ኣይንጠራጠርን ክብል መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ኦሮሞን ኣመራርሓን ሃገር ንምድሓን ንዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ብምሃብ ንክንቀሳቐሱ ምውሳኑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.