መለለዪ ስቲከር ተረባሕቲ ዝተተለመ ድጎማ ነዳዲ ዝኾና ተሽከርከርቲ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህባ ተሸከርከርቲ ተረባሕቲ ዝተተለመ ድጎማ ነዳዲ ምዃነን ዝገልፅ መፍለዪ ዕላዊ ኮይኑ።
እቲ መፍለዪ ክልተ ዓይነት እንትኸውን፥ ንስሩዕ ሃገር ኣቋራፂ ተሸከርከርቲ ኣገለልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢን ኣብ ክልላት ንዝርከባ ተሽከርከርቲ ዘገልግልን ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ መፍለዪ ተሸከርከርቲ ዝተተለመ ድጎማ ነዳዲ ተጠቀምቲ ምዃነን ንመከፋፈልቲ ነዳዲን ዝምልከቶም ኣካላትን ሓበሬታ ዝህብ እውን ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ሙሉእ ሰማያዊ ቀለም ዘለዎ መፍለዪ ንሃገር ኣቋራፂ ተሸከርከርቲ ኣገለልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዘገልግል እንትኸውን፥ ኣብ ፃዕዳ መደብ ዝተሰናደአ መለለዪ ድማ ኣብ ክልላት ንዝርከባ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህባ ተሸከርከርቲ ዘገልግል ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።