Fana: At a Speed of Life!

መሀወፅቲ ማሕበራት ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሀወፅቲ ማሕበራት ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኻን ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ቱሪዝም ገሊፁ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፥ ምስ ሓለፍቲ አሀወፅቲ ማሕበራት ምሰራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲየን።

ሰላማዊት ካሳ፥ ምስ ኣሰራርሓ ብምዝማድ ዝለዓሉ ዛዕባታት ኣብ ትካለን ምፍፃም ዝኽእሉ ተግባራት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ መፈትሒ ከምዝወሃብ ገሊፀን።

መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ግደኦም ንክዋፅኡ መለእኽቲ ምትሕልላፈን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.