ሕፅረት ትራንስፖርት ንምቅላል ኣብ ሓፂር እዋን ዕድጊት 200 ኣውቶብሳት ክፍፀም ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሕፅረት ትራንስፖርት ንምቅላል ኣብ ሓፂር እዋን ዕድጊት 200 ኣውቶብሳት ከምዝፍፀም ኣገልግሎት ምውጋድ ንብረትን ዕድጊትን መንግስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
መካየዲ ስራሕ ኣይተ ቢቂላ ገላና ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ነዊሕ ትልሚ ፀገም ትራንስፖርት እታ ከተማ ንምፍታሕ 3 ሺሕ ዝበፅሑ ኣውቶብሳት ንምግዛእ ተሓሲቡ ኣሎ።
ንግዚ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን 200 ኣውቶብሳት ንምግዛእ ከምዝተወሰነ ኣብሪሆም።
ብኻሊእ መዳይ እቲ ፀገም ብግዚያዊነት ንምቅላል ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ክራይ ኣውቶቡሳት ናብ ስራሕ ኣቲየን ኣገልግሎት እናሃባ ይርከባ።
ብሲሳይ ጌትነት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።