Fana: At a Speed of Life!

ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ከየጋጥም ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ.ም 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንምቕራብ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ንክልላት ዝድልድሎ ምሩፅ ዘርኢ፥ ብትካል ምሩፅ ዘርኢ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያን ኮርቴቫ ምስ ዝተብሃለ ብውልቀ ምሩፅ ዘርኢ ዘባዝሕ ትካልን ኣቢሉ ዝፈሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ዝተረፈ ድማ ኣብ ክልላት ብዝርከቡ ትካላት መባዝሒ ምሩፅ ዘርኢ ኣቢሉ ከምዝሽፈን ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ኢንቨስትመንትን እታወትን እቲ ሚኒስቴር ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር) ብዙሓት ዓይነታት ምሩፅ ዘርኢ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ሓረስቶት ምሸላ ባሕሪ፣ ጣፍን ስርናይን ብቐንዱ ዝደልዩዎም ዓይነታት ዘርኢ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ብመሰረት እዚ ምሸላ ባሕሪ ንዝዘርኡ ከባቢታ ምሩፅ ዘርኢ ምሸላ ባሕሪ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ በቢእዋኑ ከከም ከባቢኡ ወቕቲ ዘርኢ እናተርኣየ ካልኦት ምሩፃት ዘርኢ ከምዝቐርብ ኣመልኪተን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.