Fana: At a Speed of Life!

ሕፁያት ኣባላት መፃረዪ ጉባኤ ሕገ-መንግስቲ ንምሻም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ኣባላት መፃረዪ ጉባኤ ሕገ-መንግስቲ ንምሻም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ፀዲቑ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ እናካየደ ይርከብ።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ብኣቕራብነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ዝሽየሙ ብሞያ ብቕዓቶምን ስነ-ምግባሮምን ዝተመስከረሎም ሽዱሽተ ሰብ ሞያ ሕጊ ከምዝሽየሙ ይፍለጥ።

ቅድም ክብል ዝተመረፁ ኣባላት ናይ ኣገልግሎት ግዚኦም 20 ሓምለ 2013 ዓ.ም ተዛዚሙ ኢዩ።

ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ባይቶ ብሞያ ብቕዓቶምን ስራሕ ልምዶምን ዝቐረቡ ሕፁያት ብፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ስለዝሽየሙ፥ ሎሚ መዓልቲ ብ4 ተቓውሞ ብ12 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ፡፡

መፃረዪ ጉባኤ ሕገ-መንግስቲ 11 ኣባላት ዘለዉዎ እንትኸውን፥ 6 ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐርቡ ኢዮም።

ነቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብኣካብነት ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ፍርዲ ምክትል ኣካቢ ኮይኖም ይመርሑዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ስሩዕ ኣኼባ ንኣባላት ጉባኤ ምምሕዳር ፌዴራል ዳያኑ ዝቐረቡ ሕፁያት ብ13 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

ብሄራዊ ኮሚሽ ሃገራዊ ምይይጥ ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝመርሕ ትፅቢት ይግበር።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.