Fana: At a Speed of Life!

ሕግታት እንትወፁ ንሃገርን ህዝብን ዝህብዎ ረብሓ ተፈቲሹ ኽኾን ይግባእ- ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓደሽቲ ሕግታት እንትወፅኡ ፈለማ ንሃገርን ህዝብን ዝህቡዎ ረብሓ ብግልፂ ተፈሊጡን ተፈቲሹን ክኸዉን ከምዝግባእ ኣፈ – ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ቀወምቲ ኮሚቴታት እቲ ባይቶ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ እቲ ባይቶ ኣብ በጀት 2017 ዓ.ም ኣብ ዓውዲታት ኣወፃፅኣ ሕጊ፣ ዲፕሎማሲ ፓርላማን ዓዉዲ ዉክልናን ንሃገር ህዝብን ዝረብሑ ዕዙዛት ተግባራት ኣካይዱ፡፡

እቲ ኮሚቴ ሕግታት ዝምርምረሉ መርሃ ግብሪ ተግባራት ከቐምጥ ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ሕግታት እንትወፁ ኣፈፃፅመኦም ብምክትታል ንማሕበረሰብ ግንዛበ ምፍጣር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ሓቋፊ ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ስግግር ስርዓት ፍትሒ ኣብ ኩሎም ከባታት ብምትግባር ሰላም ኢትዮጵያ ምፅናዕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ካብቲ ባይቶ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዚ በጀት ካብ ዝቐረቡ 37 ኣዋጃት እቶም 27 ሕግታት ዘፅደቐ እንትኸውን÷ እቶም ዓሰርተ ድማ ኣብ ከይዲ ከምዝርከቡ እቲ ፀብፃብ ይሕብር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.