Fana: At a Speed of Life!

ሕጊ ፓተንት ንምምሕያሽ ዘኽእል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕጊ ፓተንት ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዘኽእል ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ዓመታት ሕጊ ፓተንት ምምሕያሽ ከይገበረት ምፅንሓ ዋና ዳይረክተር በዓል መዚ ኣእሙራኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ወልዱ ይመሰል ተዛሪቦም።

እቲ ሕጊ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ሕጊ ፓተንት እንትወዳደር ክፍተት ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እዚ ንምምሕያሽ እቲ በዓል መዚ ነክልተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ አንትሰርሕ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ነቲ ሕጊ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ እታዎታት ንምእካብ ከኽእል ተሓሲቡ ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጦም።

በቢእዋኑ ምዕባለ ዘርእይ ዘሎ ዓውዲ ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን ብስራሕቲ ምህዞ ንክሕገዝ፥ ስራሕቲ ምህዞታት ምክንኻን ዘኽእልን ምስ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝተዛመደ ሕጊ ከምዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብትዕግስት ብርሃኔ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.