ሕጊ ክወፅአሎምን ምምሕያሽ ኣብ ዝሓቱን ጉዳያት ምይይጥ እናተገበረሎም እንትወፁ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ጥንኩር ዓምዲ ይኸውን እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕጊ ክወፅአሎምን ምምሕያሽ ዝሓቱ ጉዳያት ብመፅናዕቲ እናተፈለዩን ዕሙቕ ዘተ ኣናተገበረሎምን ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ጥንኩር ዓምዲ ከምዝኸውን ኣፈጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሸገር ተዛሪቦም።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ ኣመራርሓታት ቆወምቲ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በይነ መንግስትታትን ኣብ ዙርያ ርክብን ከካይዶ ዝነበረ መድረኽ ምኽክር ኣንፈታት ብምንባር ዛዚሙ።
ኣብቲ መደረኽ መፅናዕቲ ርክብ በይነ መንግስትታትን ፊስካልን ኣንፈታት ፖሊሲን ከምኡ ውን ውስን ዕላማ ዘለዎም ናይ ድጎማ በጀትን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ፌዴራል ፍትሓዊነት፤ ስርዓት ክትትል ንምፍፃም ረቀቕቲ ደንቢታት ንዘተ ቀሪቦም እታዎት ከምዝተውሃቦም ካብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ብዝተውሃቦም ሕገ-መንግስታዊ ስልጣንን ሓላፍነትን ብሓባር ምስራሖም÷ ዝተጀመረ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምጥንኻርን ኣብ ማዓርነት ዝተመስረተ ሓድነት ንምዕባይን ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com