Fana: At a Speed of Life!

ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ “ይመሓየሽ”፤ “ኣይመሓየሽ” ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ይመሓየሽን ክመሓየሽ ኣይብሉን” ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ እንትኸውን፥ “እቲ ሕገ መንግስቲ ድሕሪ 30 ዓመታት ክመሓየሽ ይግባእ ዲዩ? እንተኾይኑስ ከመይ ይመሓየሽ?” ብዝብል ርእሲ ዝተኻየደ ርካቦት መፅናዕቲ ንመዳርግቲ ኣካላት ቀሪቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት በየነ ጴጥሮስ(ፕሮፌሰር)፥ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘከራኽሩ ዛዕባታት ዘለውዎ ብምዃኑ ካብቲ ዘተ ዘተዓርቑ ሓሳባት ክርከብሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።

እቲ ኢንስቲትዩት ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ መፍትሒ ንክረኽቡ የስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴዔታ ሚኒስቴር ሰላም ስዩም መስፍን (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ ሕገ መንግስቲ ክመሓየሽ ኣይብሉንን ሙሉእ ንሙሉእ ክድርበ ኣለዎ ዝብሉን ብመንፅር ሕገ መንግስቲ ተቐባልነት የብሎምን ኢሎም።

ስለዝኾነ ንኹሉ ብዘሳተፈ መገዲ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ተመራፅን ተቐባልነት ዘለዎን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብበዛብህ ማሞ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.