Fana: At a Speed of Life!

ሕድሕድ ርክብ ክልላት ንምጥንኻር ብትኹት ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ዘሎ ሕድሕድ ርክብ ብምጥንኃር ንሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ህንፀት ሓበራዊ ፎሮም ጎረባብቲ ክልላት ኣስተዋፅኦ ,ከምዝገብር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

ፎረም ርክብ መንግስታት ጎረባብቲ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብን ህዝቢታት ብሄር ብሄረሰባትን ንምጥያሽ ዘኽእል መድረኅ ኣብ ሃዋሳ ኣካይዶም።

ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ዛህራ ሁመድ ከምዝበለኦ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ተግባራት ይስርሑ ኣለዉ።

ክልላት ኣብ ሞንጎአን ፀገሞም፣ ስራሕቲ ልምዓቶምን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዘጠናኽሩ ተግባራት ብሓባር ዘካይዱሉ ሓበራዊ መድረኽ ጎረባብቲ ክልላልት ንምጥያሽ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘይምርድዳኣት ንምውጋድ ዝሕግዙ ዘበናዊን ባህላዊን ሜላታ መከላኸሊ ጎንፂ ብምፅናዕ፣ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ትካላዊ ኣወዳድባ ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

አራቱ ተጎራባች ክልሎች በርካታ ማህበራዊና ኢኮኖሚያዊ መስተጋብር ያላቸው መሆኑን የጠቆሙት ምክትል

ኣብቲ መድረኽ ሓበራዊ ፎረም ኣርባዕቲአን ክልላት ንምጥያሽ ምድላው ዝገብሩ ካብተን ክልላት ሓደ ሓደ ተወከልቲን ካብ ቤት ምኽ ፌዴሬሽን ድማ ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ መንግስታት ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ንቕሓተ ሕገ-መንግስቲን ኣባል ዝኾኑሉ ኮሚቴ ተጣይሹ።

ብኣሰናዳእነት ክልል ሲዳማ ዝካየድ ቀዳማይ ሓበራዊ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቶም ክልላት እቲ ኮሚቴ ምድላዉ ምስ ዛዘመ ከምዝዛዘመ ከምዝካየድ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.