Fana: At a Speed of Life!

ሕዚ እውን ሸለልትነት ኣወጊድና ኩሎም ዝተነፀሩ መከላኸሊ ሜላታት ብምትግባር ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸል ይግባእ – ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምትሕግጋዝን ሸለልትነት ብምውጋድን ኩሎም ዝተነፀሩ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ተግባር ብምውዓል ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸልን ክንቆፃፀርን ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ ምምሓዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣተሓሰሲቦም።

ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ከምዝፍለጥ ካብ 17 መጋቢት ጀሚርና ኣብ ልዕሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዕሊ ውግእ ጀሚርና ኢና።

ህዝብና እውን መንግስቲ ብዘውረዶ መምርሒ መሰረት ብሙሉእ ትግሃት፣ በዚ ውፃእ በዚ እቶ እንተይተባህለ ዝነኣድ ምንቅስቓስ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።

ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ “ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ የለን፣ እዛ ሕማቕ ግዜ ተሓጋጊዝና ንስገራ” ብዝብል ሓያል ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ፣ ብዓይነትን ብገንዘብን ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ዘኹርዕ ተግባር እዩ።

ነዚ ሰናይ ተግባርኩም ዘለኒ ናእዳ ከኣ ብዝለዓለ ክብሪ ክገልፀልኩም ይፈቱ። እዚ ሰናይ ተግባር እዚ ካብቶም ተዓቂቦም ክሰጋገሩ ዝግበኦም ክብሪታትና ሓደ እዩ። ብቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ሕዚ እውን ብቐፃሊ ሸለልትነት ኣወጊድና፣ ኩሎም ዝተነፀሩ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ተግባር ብምውዓል፣ እዚ ቫይረስ ኮሮና ክንከላኸሎን ክንቆፃፀሮን ኣለና። ሕዚ እውን ብሕብረትን ብምትሕግጋዝን ዘይሕለፍ ፈተና የለን።

ሰላም!

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.