Fana: At a Speed of Life!

ሕክምና ቁጥዐ ፀላም ከብዲ ኣብ 10 ሆስፒታላት ክልል ትግራይ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕክምና ቁጥዐ ፀላም ከብዲ (ሃፕታይትስ ቢን ሲን) ኣብ 10 ሆስፒታላት ክልል ትግራይ ከምዝተጀመረ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ‎ቢሮ ጥዕና ዘድልዩ መመርመሪ ናወትን ቀረብ ኣፋውስን ብምምላእ ሕክምና ቁጥዐ ፀላም ከብዲ ዝተጀመረለን ሆስፒታላት፥ ሆስፒታላት ማያኒ ሸራሮ፣ ስሑል፣ ኣኽሱም ሪፈራል፣ ቅድስት ማርያም፣ ዓብይ ዓዲ፣ ዓዲ-ግራት፣ መቐለ፣ ዓይደር ሪፈራል፣ ማይጨውን መኾኒን ከምዝኾና ተሓቢሩ።

‎እቲ ግልጋሎት ሕክምና ኣብተን ሆስፒታላት ምጅማሩ ሕብረተሰብ  ዓቐኖምን ጎናዊ ሳዕቤኖምን ዘይፍለጥ ባህላዊ መድሓኒት ካብ ምጥቃም ነክናገፍ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ድሕንነቱን ፈዋስነቱን ዝተረጋገፀ ሳይንሳዊ ሕክምና ክረክብ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብ ማሕባረዊ ሚዲያ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

‎ምብሳር ምጅማር ሕክምና ቁጥዐ ፀላም ከብዲ ጠሚቱ ኣብ ከተማ ዓድግራት መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

‎ሆፕታይትስ ጥንቃቐ ብዝጎደሎ ፆታዊ ርክብ፣ በቲ ቫይረስ ዝተበከለ መርፍእን ዝተፈላለዩ በላሕቲ ነገራትን ከየምከንካ ብሓባር ብምጥቃምን፣ ኣብ እዋን ወሊድ ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ  ሕብረተሰብ ኣድላይ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.