Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ ዝቢ ንምምላስ ፖለቲካዊ ዝላ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዘልዐሎም ኩለመዳይ ሕቶታት ዝምልስን እዋኑ ዝሓቶ ፖለቲካዊ ዝላን ምርግጋፅ ከምዝግባእ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ንኣመራርሓን ኣባላትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ስልጠና “ፖለቲካዊ ዝላ፤ ካብ ዴሞክራሲ መሰል ናብ ሃገራዊ ሓላፍነት” ብዝብል ርእሲ ገለፃ ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ገለፀኦም ድማ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ህዝቢ ዘይተረጋገፁሉ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕቶታት ምላሽ ዘይረኸቡሉ፣ ቁልፊ ፓለቲካዊ ተፃብኦታትን ፀገማትን ዘይተፈትሑሉ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ፀገማት ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ሪፎርም ምክያድ ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ እዚ ፖለቲካዊ ሪፎርም ይኹን ተፃብኦ ከተዓርቕ ዝኽእል ማእኸላይ ፖለቲካ ዝኽተል፣ ኩለመዳይ ሕቶታት ዝምልስ፣ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ብልፅግናኣ ከተጋግፅ ዝኽእል ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.