Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ከይዲ ሰላም ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ዘረጋገፀ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ከይዲ ሰላም ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ዘረጋገፀ ኢዩ” ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ ኣይተ ደመቀ÷ ከይዲ ሰላም ኣብ ትኽክለኛ መስመር ከምዝርከብ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ከይዲ ድርድር ሰላም ንዝተሳተፉ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ሕዚ ዝተረኸቡ ከስቢታት ሰላም “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ኣህጉር በቆል መምርሒ ብተግባር ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ሰላም እንተይተሸራረፈ ተፈፃሚ ንኽኸውን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ” እውን ኢሎም ኣይ ደመቀ መኮንን።

በቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተቀላጠፈ መልክዑ እናበፅሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ግቡእ ድጋፍ ምርካባን እዚ ድማ መንፈስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ብዝተማልአ መልክዑ ንዝቕፅል ወለዶ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ዘመላኸተ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.