Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ንማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ዝተገበረላ ማሊ ካብ ኣባልነት እቲ ሕብረት ከምዝኣገዳ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሊ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዘ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ ኢዩ ሕብረት ኣፍሪካ እገዳ ኣመሓላሊፉ ዘሎ፡፡

እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እታ ሃገር ብህፁፅ ብሲቪል ዝምራሕ መንግስቲ ንኽተጣይሽ ሓቲቱ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ስልጣን ተቖፃፂሩ ዝርከብ ወታደራዊ ሓይሊ ሰራዊቱ ናብ ካምቦ ንኽምለሱ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዚ ዘይኸውን እንትኾይኑ ግን ኣብ ልዕሊ ማሊ ማዕቐብ ሓዊሱ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.