Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ከምዝኣገደ ተገሊፁ።

እቲ ሕብረት ኣብ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ ኢዩ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ኣጊዶዋ ተባሂሉ።

እቲ እገዳ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝምለስ ከምዝፀንሕ ድማ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢብራሂም ባውባካር ኬታ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ንክፍትሑ ሕብረት ኣፍሪካ ፃውዒት ከምዘቕረበ ተገሊፁ።

ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ስሪል ራማፎሳ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘሎዉ ፕሬዚዳንት ክፍታሑ ሓቲቶም።

እታ ሃገር’ውን ቐልጢፋ ናብ ስቪላው ምምሕዳር ክትምለስ ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ብግድኡ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ንክፍታሑ ከም ዝሓተተ ተገሊፁ።

እቶም ኣብ ኣድማ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ንባዕሎም ‘ሃገራዊ ኮሚቴ ንህዝባዊ ድሕነት’ ኢሎም ዝሰየሙ እንትኾኑ፥ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልፁ።

ፍልፍል፦ ሮይተርስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.