Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሆንክ ኮንግ ኢዱ የእቱ ኣሎ ክትብል ቻይና ከሲሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ቢሮ ቻይና ኣብቲ ሕብረት ከምዝሓበሮ ራስ ገዝ ቻይና ዝኾት ሆንግ ኮንግ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ክልላዊ ምምሕዳር ብዝምልከት ሕብረት ኣውሮፓ ኢዱ ኣእቲዩ ኢዩ ክብል ከሲሱ።

ቻይና ተቓውሞኣ ኣቕሪባ ዘላ፥ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፕ ቦረል ሻውዓይ መወሰኒ ቤት ምኽሪ መረፃ ሆንግ ኮንግ ኣመልኪቶም መግለፂ ምሃቦም ስዒቡ ኢዩ።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፍሉይ ኣመሓድራ ክልል ሆንግ ኮንግ፥ ቻይና ራስ ገዝ ምምሕዳራን ድሕንነታን ንምሕላው ክትብል ሕጊ ተቐቢላ ተግባራዊ ገይራ ኢያ፤ ስርዓት መረጻ እውን ኣመሓይሻ ኢያ ኢሉ እቲ ቢሮ።

እቲ መረፃ ብሰላምን ብስርዓትን ምክያዱ ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ከይዲ መረፃ ፍትሓዊ፣ ግልፂ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዴሞክራሲያዊ መሰላት መረፅቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸበሩን ከምዝነበሩ እውን ኣፍሊጦም።

ውሽጣዊ ጉዳይ ቻይና ኣብ ዝኾነ መረፃ ሆንግ ኮንግ ኢድ ምእታው ሉኣላውነት ሃገር ምድፋር ኢዩ ምባሎም ሲጂቲኤን ፀብጺቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.